Skip to content

ንኻልኦት ታራ ዓርኪ፣ መሓዛ ወይ ታራ ሰብ ክትኮውን ትኽእል እኻ፤ ንዓይ ግን፦ "ምስሊ ኣቦይ ኣባኻ ዝርእዮ፣ ብዘይ ቅንጣብ ስክፍታ…

Price not stated
Open the post on TikTok
Sold byሰረት (@kidanzelalem)on TikTok

Details

Posted
8 Oct 2026
Location
Not stated
Condition
Not stated

Description

ንኻልኦት ታራ ዓርኪ፣ መሓዛ ወይ ታራ ሰብ ክትኮውን ትኽእል እኻ፤ ንዓይ ግን፦ "ምስሊ ኣቦይ ኣባኻ ዝርእዮ፣ ብዘይ ቅንጣብ ስክፍታ ዝጽገዓካ፣ ኩሉ እምነተይ ዝህበካ፣ እምኒ ኩርናዕ ህይወተይን ውሕስነት ጉዕዞይን እኻ!" ቅጽዓትካ እኳ ከይተረፈ ኣካል መቐረት ህይወተይ እዩ። ምናልባት ብብዙሕን ኣብ ብዙሓትን ትጋገ ትኸውን፤ ምናልባት’ውን ጽባሕ ትጠዓሰሉ ነገር ትገብር ትኸውን! ጌጋታትካ ክንዲ ዝበዝሐ ይብዛሕ፣ ኣባይ ኣብ ሓፍትኻ ክመጽእ ከሎ ግን ረመጽ ንእግርኻ፣ እሾኽ ንቖርበትካ፣ ምረት ንመልሓስካ እዩ! ምናልባት ኣባይ ናይ ፍቕሪ ቃላት ኣይትድርድርን ትኸውን፤ ተግባርካ ግን ኣባይ ከም ውዕለት ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኣዝዩ ረዚን እዩ! ኣወዳት እኳ ክሓትኑንን ክለኽፉንን እንተ ኾይኖም፣ ቀዲሞም ህላወኻ ኣረጋጊጾም እዮም። ናይ ሕርቃን ቃላትካ ማእዛ ህይወተይ እዮም፤ ምኽንያቱ ንድሕነተይን ኣብ ልዕለይ ዘሎካ ሓልዮትን ስለ ዘርእዩ! ጭቕጭቕካ ዜማ ንነፍሰይ እዩ፤ ምኽንያቱ ነቲ ኣባይ ዘሎካ ፍቕርን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዘሎካ ስግኣትን ስለ ዘጉልሕ። "ሓወይ ኢኻ" ምባል ኣይኣኽለካን እዩ—ልሙድ ቃል ስለ ዝኾነ... ኣነ ግን "ደመይ ኢኻ!" እብለካ—እቲ ሓይሊ ናይ ምንባረይ! — ዘፍጥረት

Meet the seller in a safe place and check the item before you pay.

See all 17,859